ቁፅሪ ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ 74 ሚሊየን በፂሑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ብመሰረት ዝተሰርሐ ስራሕ ቁፅሪ ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ 74 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ኣባል ማእኸላዊ ኮሚቴ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢታፋ(ዶ/ር ኢ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ህዝቢ ተረባሒ ፅሩይ መስተ ማይ ንክኸውን ብዙሓት ተግባራት ከምዝተፈፀሙ ተዛሪቦም።
ኣብቶም ዓማውቲ ኣስታት 25 ሚሊየን ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ ምግባር ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ፥ ብመሰረት እዚ ቁፅሪ ተረባሕቲ ፅሩይ መስተ ማይ 74 ሚሊየን በፂሑ ኢሎም።
መንግስቲ ተረባሒ ፅሩይ መስተ ማይ ዝኾነ ሕብረተሰብ ኣብ ከተማ ይኹን ከባቢታት ገፀር ክብ ንምባል ቆላሕታ ብምሃብ ዘካየዶም ስራሕቲ ውፅኢታዊን ግዙፍን ዓወት ዘርከበ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ዓብዪ ገድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተሰሑ ስራሕቲ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ልዑል ዓወት ንክርከብ ከምዘኽኣለ ተዛሪቦም።