Fana: At a Speed of Life!

ቁልፊ ዕቤትና ኣብ ኢድና ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቁልፊ ዕቤትና ኣብ ኢድና ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ናብ ምዕባለ ዝግበር ጉዕዞ ዝተሳለጠ ክኸውን ዝኽእል ብቐንዱ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕምና ዝተደረኸ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ውሽጣዊ ዓቕሚ ማለት ድማ ዓቕሚ ህዝቢ፣ ተፈጥሮኣዊን ታሪኻዊን ሃፍቲ ከምኡ እውንክእለት ፈጠራ ሓዱሽ ወለዶ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ብኣፀጋሚ ፈተናታት እናሓለፍና እኳ ንፀገም ዝፃወር ኢኮኖሚ ክህልወና ክኢሉ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ብመጠኑ እውን እንተኾነ ዘለዉ ውሽጣዊ ዓቕሚታ ፀንቂቕካ ንምጥቃም ስለዝተኽለ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝወሃብ ሓገዝ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚና ተወሳኺ እምበር ቀንዲ ፍልፍል ምዕባለ ክኸውን ኣይኽእልን ኢሎም።

ውስጣዊ ዐቅማችንን ተጠቅመን ወደ ብልጽግና የምናደርገው ጉዞ ከዕንቅፋቶች የጸዳ አይደለም ያሉት ጠቅላይ ሚኒስትሩ፥ የኢኮኖሚ አሻጥር፣ ሌብነትና ምርት ሥወራ ዋነኞቹ ፈተናዎች መሆናቸውን አብራርተዋል

“ውሽጣዊ ዓቕምና ተጠቒምና ናብ ምዕባለ ንገብሮ ጉዕዞ ካብ ማሕለኻታት ዝነፅሀ ኣይኮነን” ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ሽርሒ ኢኮኖሚ፣ ስርቂን ምሕባእ ፍርያትን ቀንዲ ማሕለኻታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ፈተናታት ዝሳገር ኢኮኖሚ ንምህናፅ ኩለመዳይ መልክዕ ዘለዎ ቃልሲ ከምዘድሊ እውን ኣገንዚቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.