Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ በዓል ዓወት ካራ ማራ ብዝምልከት ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ በዓል ዓወት ካራ ማራ ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ብዚያድ ባሬ ምስ ዝተመርሐ ወራሪ ሓይሊ ሶማሊያ ኣብ ዝነበረ ተጋድሎ ወሳኒ ዓወት ዝተመዝገበሉ በዓል ዓወት ካራ ማራ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ ናይቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ናይ 1967 ዓ.ም ሶማሊያ ወረራ፥ ሃገርና ካብ ዋግዋጎ ምፍንዳእ ወያነ ኣብ ዘይወፅአትሉን ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኣብዝነበረትሉን እዋን ዝተፈጠረ ኢዩ።

ንኢትዮጵያ ዝወረሩ መብዛሕትኦም ሓይሊታት ዝፈጥርዎ ስሕተት ዚያድ ባሬ እውን ብተመሳሳሊ ተሰሓሓተ።

ሃገር ዝተዳኸመት፣ ኢትዮጵያ ትሰዓረሉ እዋን ዝበፅሐ መሲሉዎ፤ ብዝተሰሓሓተ ስልሒት ተደሪኹ ወረራ ፈፀመ።

ኣብ መጀመርታ ኣከባቢ እማን እውነ ከምቲ ዝሓሰቦ ርኡይ ምክልኻል እንተየጋጠሞ ሰፊሕ መሬት ሃገርና ክቆፃፀር ክኢሉ ነይሩ።

ይኹን እምበር ኢትዮጵያውያን ገንፊሎም እንትለዓሉ እንታይ ከምዝሰርሑ ኣብቲ እዋን ተርኣየ።

ኣብ ሓፂር እዋን “ፃውዒት ኣዶ ሃገር/የእናት ሀገር ጥሪ” ተኣኻኸቡ፣ እኹል ስልጠና ይኹን ምድላው ዘይነበሮም፣ ይኹን እምበር ካብ ዝኾነ ይኹን ዘይልቅሕዎ ፍቕሪ ሃገርን መንፈስ ሰዓራይነትን ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ነቲ ወራር ብዓወት ክምክቱዎ ከኣሉ።

መንግስታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዝፍፅሙዎ ተግባር ብዝተፈላለዩ ተግባራት ክንምዝኖም ንኽእል ኢና፤ ነገር ግን ሉኣላዊነት ሃገር ኣብ ምሕላው ዝኽፈሉ መስዋእቲታት ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘበን ዋላ ይፈፀሙ ታሪኻዊ ኩርዓት ሃገር ኢዮም።

መንግስቲ ደርግ ኣብ ሓፂር እዋን ፃውዒት ኣቕሪቡ፣ ኣሰልጢኑን ኣዋዲዱን ክብሪ ሃገር ንምምላስ ዝገበሮ ተጋድሎን ዘመዝገቦ ዓወትን፥ ኣካል መንፈስ ሰዓራይነትን ንመስዋእቲ ድሉው ምዃንን ታሪኽ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኢዩ።

ኩሉ ግዘ ኣብ ውሽጥና ክፍተት እንትህሉ ንናይ ወፃኢ ፀላኢ ንቃላዕ፤ እንትንጠናኸር ግን ዝተኸበርና ንኸውን።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ጎድኒ ኢትዮጵያውያን ተሰሊፎም ዝተዋግኡን ክቡር ሂወቶም ዝኸፈሉን ወታደራት ኩባን የመንን ውዕለተኦም ታሪኽ እናዘከሮ ክነብር ኢዩ።

ክብሪ ሃገር ንምሕላው ክቡር ህይወቶም ንዝኸፈሉ ኢትዮጵያውያን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.