Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ዶክተር ኣቢይ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኩባኒያ ኮካ ኮላ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ኩባኒያ ኮካ ኮላ ተዛትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምስ ኣቦ መንበር ኮካ ኮላ ጄምስ ኩይንሲን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባኒያ ኮካ ኮላ ኣብ ኣፍሪካ ጃኩዬስ ቨርሚዩለን ኢዮም ተዛትዮም።

ኩባኒያ ኮካ ኮላ፥ ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ብብርኪ ሃገር 5 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ኣብ ዝተትሓዘ ምርሃ ግብሪ ሓገዝ ከምዝገብር እብቲ እዋን ዘተ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ተሳትፎ ንምግባር ቃል ከምዝኣተወ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ኮካ ኮላ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ንምስፍሕፋሕን ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፕሮጀክታትን ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ኣድኒቖም።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.