Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ ግብርና ከተማ ንክዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሕርሻ ከተማ እናተሳተፉ ዝርከቡ ብዝበለፀ ንኸጠናኽሩን ካልኦት እውን ኣብዚ ዘላቒ ፅባሕ ከተማታት ኣብ ዘረጋግፅ ተግባር ንኽሳተፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ፀዊዖም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ስራሕቲ ሕርሻ ከተማ ሜላ አነባብራ ከተማ ኣካል ስትራቴጂ ገይርና እንትነስፋሕፍሕ ናይ ምስጋር ዓቕሙ ንፅር ዝበለ ምርድዳእ ሒዝና ነይርና” ኢሎም።

ሕርሻ ከተማ ክፍለ ኢኮኖሚ ኽርሻ ካብ ምጉልባት ሓሊፉ፤ ቁጠባዊ ሃፍቲን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ከምዘዕቢ እውን ገሊፆም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሃገር ለኸ ውሕስና ምግቦ የደንፍዕ፤ ንስራሕቲ ልምዓት ከተማ ይድግፍ፤ ተረባሕቲ ብቐጥታ ምስ ኣፍረይቲ ሓረስቶት እቲ ከባቢ የራኽብ” ኢሎም፡፡

“ኣብ መላእ ሃገርና እዚ ስራሕ ሕርሻ ከተማ ኩነታት ከተማታት ብምትላምን ኢኮኖሚና ብምጥንኻርን ዘሎ ጉልበት ብምርኣይ ካብ ናይ ሕዚ ዘዕግቡ ውፅኢታት እናምፀአ ይርከብ” ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፡፡

ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኩሎም ፃዕሮም ብዝበለፀ ንኸጠናኽሩ፤ ካልኦት እውን እናዓበየ ኣብ ዝርከብ ዘላቒ ፅባሕ ከተማታት ኣብ ዘረጋግፅ ተግባር ንኽሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.