Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ኣቦታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣቦታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያን ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ተጓዒዞም ምስ ዝተረኸቡ ኣቦታትን ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉው መልእኽቲ፥ ኣቦታት ሃይማኖት ኣብ ወውሽጢ ማሕበረሰብ ወሳኒ ግደ ከምዝፃወቱ ገሊፆም።

ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እናተገበሩ ዝርከቡ ልዝባት ከምዝቐፀሉ ብምሕባር፤ “ሎሚ ካብ ዘተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ብምጉዓዝ ኣብቲ ኣኼባ ዝተረኸቡ ኣቦታት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ተቐበሊልና ተዛቲና” ክብሉ ገሊፆም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሰላምን ፀፅታን፣ ድሌት ምልማዕ ሕብረተሰብ፣ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ዘለዉ ማሕለኻታት ምምሕዳር ኢሉ እውን ኣቦታት ሃይማኖት ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዝህልዎም ግደ ኣመልኪቶም ጉዳያት ከምዝተልዓሉ ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.