Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ብዝምልከት ንዝወፅአ ውፅኢት ምርመራ ምላሽ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኣብ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣድሂቡ ዝወፅአ ውፅኢት ምርመራ መብርሂ ሂቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቶም ትካላት ኣብ ሸነኽ ሰሜን ሃገርና ይካየድ ምስ ዘሎ ጎንፂ ብምዝማድ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ብምዃን ነዝገበርዎ ሙያዊን ተኣማኒን ምርመራ ኣመስጊኖም።
ኣብ ውሱናት ውፅኢታት እቲ ምርመራ ቅርታ እንተሃለወ እውን፥ ፀብፃብ እቲ ምርመራ ግዳያት እቲ ጎንፂ ንምድጋፍ፣ ተሓታትነት ንመንጋስን ስጉምቲ ንምውሳድን ፃዕሪ ከም ሓደ ረብሓ ዘለዎ ደኩመንት ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ካብዚ ሓሊፉ ምርመራ እቲ ፀብፃብ ጎንፂ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ኣትሒዙ ኢትዮጵያውያን ዝበፅም ስቓይን ጉድኣትን ዝሓዘ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ፀብፃብ ዝተለዓሉ መሰረት ዘይብሎም ውንጀላታት ከምዘሕዘኖም እውን ገሊፆም።
ብፍላይ ንነበርቲ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንከይቐርብን ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ኮነ ተባሂሉ ተጠቒሙሉ ዝብል ውንጀላ ፀብፃብ እቲ ጉጅለ ምንም ዓይነት መረዳእታ ኣይረኸብኩን ክብል ምሕባሩ ገሊፆም።
“ከምዚ ዓይነት ውንጀላ ሓሶት ከምዝነበረ ንፈልጥ ኢና” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ፀላእትና ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምስሕሓት ብዘይዕረፍቲ ከምዝሰርሑ ሓቢሮም።
ብተመሳሳሊ ኩነታት ግን ብዙሓት ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ርክብ ብምግዳፍ ስጉምቲ ንምውሳድ እቶም ናይ ሓሶት መረዳእታታት ምጥቃመን ሓቢሮም።
እቲ ናይ ሓባር ምርመራ ፀብፃብ “ናይ ትገራይ ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻን” ተባሂሎም ዝተገለፁ ናይቲ ጉጅለ ራዕዲ ዕጡቓት፥ ኣብ ቁፅፅሮም ዝወዓሉ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ከምኡውን ንፁሃን ብሄር መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙሎም ኣረጋጊፁ።
እቲ ናይ ሓባር ፀብፃብ ዘይተገለፁ ናይቲ ግብረ ራዕዲ ብዙሓት ጥፍኣታት ዘርእይን መንግስቲ እንተቕርቦም ዝነበረ መረዳእታታት ተኣማኒነት ዘዕብዩን ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.