Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮም ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዛዚሞም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝነበሮ ናይ ክልተ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ብምዝዛም ትማሊ ምሸት ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሱ።

እቲ ዑደት ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ምስ ተበፅሐ፣ ሰናይ ጉርብትናን ዲፕሎማሲያዊ ርክብን ክልቲአን ሃገራት ዕላዊ ካብ ዝግበር ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኣይተ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን፥ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ዛዕባታት ኣድሂቦም ልዝብ ኣካይዶም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ልምዓት እውን ዑደት ኣካይዶም ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.