Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ፋብሪካ ዘይቲ ፌቢላ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚነስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መዓልቲ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ብልዒ ከፍሪ ዝኽእል ፋብሪካ ዘይቲ ፌቢላ መሪቖም።

60 ሚኢታዊ ቀረብ ዘይቲ ብልዒ እዛ ሃገር ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ከምዘለዎ ዝተነገረሉ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባኒያ ፌቤላ፥ ዘይቲ ካብ ምፈፍራይ ብተወሳኺ መቀነባበሪ ሰሊጥ፣ ሳሙናን መኖ እንስሳትን ከምዘፍሪ እውን ተገሊፁ።

ብበዓል ሃፍቲ ኣይተ በላይነህ ክንዴ ዝተሃነፀ እቲ ፋብሪካ፥ ብብር 4 ነጥቢ 5 ቢሊየን ወፃኢ ከምዝተገበረሉን ን3 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥርን ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፋብሪካ ፍርያቱ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝጅምር ኤመሓኣ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.