Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ መቐለ ብምርካብ ምስ ላዕለዎት ጦር መኮንናት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ መቐለ ብምርካብ ምስ ላዕለዎት ጦር መኮንናት ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትረ ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ሰራዊት ምክልኻል ብዝሃቀኖ መሰረት እቲ ኲናት ከምዝዛዘሞን ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ንዝሰርሖ ስራሕ ዝነኣድ ከምዝኾነን ገሊፆም።

“ኩሉ ሰራዊት ብሓድነትን ጅግንነትን ዝተውሃቦ ልኡኽ ሚኢቲ ሚኢታዊ አዐዊቱ ኢዩ፤ ብዝተሰርሐ ስራሕ ድማ ኣዚና ሕጉሳት ኢና፤ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ኮሪዑልኩም ኢዩ” ኢሎም።

ይኹን እምበር ገበነኛታት ናይ ምሓዝ ስራሕ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብምውዳእ ናብ ልምዓት ስራሕቲ ምኻድ ከምዝግባእ ገሊፆም።

“ብኲናት ተፈቲኑ ዝተዓወቱ ጀጋኑ ኣፍሪና ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ጅግንነትኩም ብውግእ ጥራሕ ዘይኮነስ ብልምዓት እውን ኢዩ” ኢሎም።

ጅግና ይሰርሕ እምበር ኣይፍክርን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ስለዝኾነ ድማ ከይትጃሩ፣ እንተገጢምና ክንስዕር ኢና፤ ንስኻትኩም መራሕቲ ኲናት ድማ እዚ ኣብ ልብኹም ሓዙዎ” ክብሉ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚስትር ኣቢይ፥ “ወታደር ስለዝኾንኩ ኮሪዐ ኢየ በርትዑ” ምባሎም እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.