Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሓለፍነታት መንግስቲ ቦታታት ሽመታት ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንላዕለዎት ሓለፍነታት መንግስቲ ቦታታት ሽመታት ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሎሚ መዓልቲ ንኣይተ ተፈሪ ፍቅሬ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ካቢኔን ገይሮም ዳግም ዝሾሙ እንትኾኑ፥ ንካልኦት ኣርባሕተ መደባት ሓላፍነት እውን ብመዓርግ ሚኒስትር ሽመት ሂቦም።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ኣይተ ኣደም ፋራህ – ብመዓርግ ሚኒስትር ዋና መተሓባበሪ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ
  2. ኣይተ ተስፋዬ ቤልጅጌ – ብመዓርግ ሚኒስትር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ተፀዋዒ መንግስቲ
  3. ዶ/ር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ – ብመዓርግ ሚኒስትር ዋና ተደራዳሪን ኣማኻሪን ግድብ ህዳሰን ዶብ ተሳገርቲ ሩባታትን
  4. ዶ/ር ለገሰ ቱሉ – ብመዓርግ ሚኒስትር ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ካብዚ ብተወሳኺ፦

– ዶ/ር ምህረት ደበበ – ፕሬዚዳንት ኣካዳሚ ኣመራርሓ ልህቀት ኣፍሪካ፣

– ኣይተ ፍሰሃ ይታገሱ – ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኢትዮጵያ፣

– ከምኡ እውን ኣይተ ኣብዱራህማን ሩቤ – ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ብሮድካስት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተሸይሞም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.