Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ እቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

እንኳዕ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር ብሰላም ኣብፀሐኩም!

ፈጣሪ ንደቂ ሰባት ሓጎስ ክብል ዝሃቦ በዓል ዒድ መላእ ህዝቢ ሙስሊም ብሓጎስ የኽብሮ። ፍልፍል ሓጎሱ ምብላዕ ምስታዩ፣ ምኽዳንን ምግያፁን ኣይኮነን፤ ካብ ንባዕልኻ ሓሊፍካ ንኻልኦት ብሓድነት ምሕላፍ እምበር። ህዝበ ሙስሊም ዘለዉዎ ሰናይ ነገራት ሒዙ ሕድሕዱ እነተሓታተተ፣ ሓድነቱን ምትሕብባሩን ዘርእየሉ፣ ዘለዎ ካብ ዘይብሉ ዝርደአሉ፣ ዝረኸበ ምስዘይረኺበ ምግቢን ፍቕሪን ተኻፊሉ ዘሕልፈሉ ዕለት ኢዩ፡፡ እዞም ክብሪታትን ትርፊታት እቲ በዓልን ካብ ተኸተልቲ እቲ እምነት ሓሊፉ ንካልኦት እውን ክተርፉ ዝኽእሉ ኢዮም።

ሙስሊም ካብ ዒድ ኣቐዲሙ ወርሒ ሙሉእ ካብ ክፍኣት ርሒቑ ግርህና ይለምድ፤ ካብ ዓለማዊ ተግባር ርሒቑ መልኣይካታት ይመስል፡፡ መላእኽቲ ኣይበልዑን፣ ኣይሰትዩን፤ ብፍፁም ልቦም ትእዛዝ ፈጣሪ ይፍፅሙ፡፡ ህዝበ ሙስሊም እውን ኣብ ወርሒ ሮመዳን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይገብርን፡፡ እቲ ወርሒ ኣላህ (ሰወ) ኣዚዩ ክባር ህያቡ ዝሃበሉ፣ ቁርዓን ናብ መሬት ዝወረደሉ፣ በሪታት ጀሃነም ተዓፂዮም በሪታት ጀነት ዝተኸፈቱሉ፣ ኣማኒ ከም እምነቱ ፅንዓትን ከም ኣላህ (ሰወ) እዝነት ምናዳታት ዝረኽበሉ ዝተቐደሰ ወርሒ ኢዩ።

ብኣማኒ ቁርዓን ምስ ፈጣሪ ተዘራሪቡ፤ ዝሕሾ መገዲ ህይወት መሪፁ ከም ትእዛዝ ፈጣሪኡ ንምንባር ዕድል ረኺቡ፡፡ ብስግደት፣ ፀሎት፣ ብሰናይ ተግባርን ብእዝነትን ናብ ፈጣሪ ቀሪቡ ብፅሞና ዝሓስበሉ፣ ኩሉ ንባዕሉ ዝምዝነሉ ዝተባረኸ እዋን ኢዩ ረመዳን፡፡ በዚ ምኽንያት ወርሒ ረመዳን እንትዛዘም ህዝበ ሙስሊም እቲ ወርሒ ተወዲኡልና ካብ ምባል ተወዲኡና ምባል የቕድም፡፡ እዚ ቅዱስ ወርሒኣብ ውሽጢ ህይወቱ ዳግም ዝመፅአሉ ኣጋጣሚ ኣናናፈቐ ይፀንሕ።

ነዚ እውን ኢዩ ወርሒ ረመዳን ብተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣዚዩ ዓቢዩ ቦታ ካብ ዝወሃቦም ኣዋርሕ ቀዳማይ ዝኾነ፡፡ ፆም ረመዳን ደሚቑ ከምዝጀመረ ብድምቀት ተዛዚሙ እነሆ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር በፂሕና፡፡ እንኳዕ ኣብፀሐና!

ናይዚ ዓመት ረመዳን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን ፍቕሪን ሓድነትን ዝተረኣየሉ ኮይኑ ብምሕላፉ ካብ ማንም እዋን ዝተፈለየ ተገይሩ ብታሪኽ እናተዘከረ ክነብር ኢዩ። ካብ ዒድ ናብ ዒድ ዝተብሃለ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ብዙሓት ካብ መላእ ዓለም ተኣኻኺቦም ናብ ገዛ ኣዴታቶም፣ ብወገኖም ንኸሕልፉ ዕድል ፈጢሩ ኢዩ፡፡

ካብ ከተማና ጀሚሩ ኣብ ክልል ከተማታትን በቢመዓልቱ ብዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ዒፍጣር ጎደና ቀዲ ተባዕታይ፣ ጓል ኣንስተይቲ፣ ሙስሊም-ክርስቲያን፣ ዓቢዪ ንኡሽተይ ሕብረትን ሓድነቱን ኣርኢዩ ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያ እውን ብደቃ ሕውነት ደስ ኢሉዋ ኢዩ።

ፈጣሪ እውን ዝደልዮ እዚ ኢዩ፡፡ ኣብ ቅዱስ ቁርዓን ብግልፂ ከምዝሰፈረ “ልብኹም ዝሰበሩ ፀላእትኹም ዋላ ይኹኑ ብፈቓድ ኣላ ኣሕዋትኩም ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም” ብምባል ኩሉ ወዲ ኣዳም ብሓድነት እንተይተኸፋፈሉ ንኸኣምኑ፣ ፈጣሪ ዝገበረሎም ንኽዝክሩ፣ ኣብ ሞንጎ ደቂ ሰባት ፍቕሪን ምርድዳእን ከምዘድሊ ኣጥቢቑ ይገልፅ፡፡ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ሓሳብ የሃልወና፣ ብባህሊን ብወግዒን ብቛንቋ ብልማድ ንፈላለ፣ ሕድሕድና ንኽንተሓሳሰብ ትእዛዝ ፈጣሪ የተሓሳስብ ኢዩ፡፡ “ኢድ ኣላ እክብ ኢሎም ብሓድነት ኣብ ዝቖሙ ሰባት ይርከብ” ዝብል ኣስተምህሮ እቲ እምነት ነዚ ፅቡቕ መርኣያ ኢዩ።

ብንኡሽተይን ዓቢዪን ባእሲ ዝቕስቅሱ ኣእዳው ሰይጣን ኣብ ዝበዝሑሉ እዋን ካብ ኩልና ትፅቢት ዝግበር ትዕግስቲን ህድእ ኢልካ ነገራት ብፅሞና ምምርማር ኢዩ። ህይወት ነቢዩ መሓመድ (ሰዓወ) ኣጥቢቑ ከምዘገንዝቦ ዝተመነዩዎ ንምጭባጥ፣ ካብ ዝኹነ ይኹ ንላዕሊ ርግእ ኢልካ ምሕሳብ ይሓትት።

ንሕና እውን ከም ህዝቢ ንፍትውቲ ሃገርና ብፅሞና ንኽንፅሊ፣ ብሚዛናዊ ምልከታ ንኽንስጉም፣ ንባዕልና ንሰናይ ተግባር ክንግዛእ፣ ኣእዳው ሰይጣን ብትዕግስቲን ብምስትውዓልን ንኽንርታዕ ኣጥቢቐ ይሓትት።

ብዛዕባ ምርድዳእ ንህዝበ ሙስሊም ምንጋር ንቐባሪ ምረዳእ ተገይሩ ከምዝቑፀር ይፈልጥ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ሰብ ካብ ሰብ ዘይፈለኹም፣ እከለ ሙስሊም ኢዩ ክርስቲያን ኢዩ ዘይበልኩም፣ ካብዚን ካብቲን ወገን ኢዩ ኢልኩም ንሓደ ካብቲ ካሊእ ዘይፈለኹም ዓቕምኹም ዝፈቐዶ ብምግባር ንዝተጎድኡ ወገናትኩም ንኽትበፅሑሎም ብትሕትና ይሓትት።

ብድርቂ ይኹን ብጎንፂ ዝተሰደዱ ወገናት ናብ መረበቶም ንኽምለሱ ንሓግዞም፡፡ ካብ ስረሖም ንዝተመዛበሉ ስራሕ ንፍጠረሎም፡፡ ገዛ ንዘይብሎም ገዛ ንስረሐሎም። እምነት እንተይፈለና ኩልና ተሓባቢርና ዝወደቐ ወገንና ብምልዓል ንሃገርን ህዝቢን ዘለና ፍቕሪ ንዓለም ነርኢ፡፡ ባእሲ ብፍቕሪ እንትንስዕር፣ ካብ ዝወደቕናየ ተሓጋጊዝና ንምልዓል እንትንፅዕር፣ ከም ሃገር ሓሲብና እንትንገብር ሰብ እውን ፈጣሪ እውን ደስ ይብሎ፡፡ ካብ ዒድ ናብ ዒድ፣ ንኹና ዝምልከት ህዝባዊ በዓል፣ ናይ ሃገር በዓል ይኸውን፣ እቲ በዓል ብድሙቕ ኩነታት ምኽባር፣ ናይ ኩልና ድምቀት፣ ናይ ኩልና ክብሪ ከምዝኸውን ክንፈልጥ ይግባእ።

ዳግም እንኳዕ ንበዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብፀሐና፣ ኣብፀሐኩም!!

ዒድ ሙባረክ!

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራህዝባን ይባርኽ!

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.