Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደት ምኸንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ልደት ምኸንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ዝኽር ዘበን መከራ እናተዛዘመ፣ ፀገማት እናተፈትሐ፣ ፍልፍል ስቓይ ከምዘይምለስ እናደረቐ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“እንኳዕ ንበዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም” እውን ኢሎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ መልእኽቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

እንኳዕ ንበዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰላም ኣብፀሐኩም!

ናይዚ ዓመት በዓል ልደት ዝኽር ዘበን መከራና እናተዛዘመ፣ ፀገማትና እናተፈትሐ፣ ፍልፍል ቁፃር ስቓይና ከምዘይምለስ እናደረቐ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ኢዩ። መከራና ንድሕሪት ደብሪና ተስፋና ኣሳጊርና እናረአና ነኽብሮ በዓል ኢዩ፡፡

ልደት ክርስቶስ ምጅማር ሓዱሽ ተስፋ መብሰሪ ብሩህ ዘበን ኢዩ። ናይ ጭንቂ እዋን እናሓለፈ ምዃኑ፣ ዘበነ መከራ ዘመን እእናተዛዘመ ምምፅ፣ ፀልማት ብብርሃን ምስዓሩ፣ ማእሰርቲ ሓጢያት ኣብቂዑ ናፅነት ምቕራቡ ዝተበሰረሉ ኢዩ። ጌታ ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ዝነበረ ዘበን ዓመተ ፍዳ ኢዩ ነይሩ። ሰብ መምርሒ ፈጣሪኡ ተመሓላሊፉ ዝተኸተሎ ብምፍፃሙ ምኅንያት፣ መርገም ወርዱዎ ካብ ገነት ተባሪሩ ዝነበረሎም እቶም ዘበናት፣ ብድቕድቕ ፀልማት ዝተመልኡ ኢዮም ነይሮም። እዋኑ በፂሑ ክርስቶስ ኣብ ቤተልሔም እንትውለድ፣ ዘበን ኩነኔ ብስርየት ተለዊጡ ዘበነ ምሕረት ተባሂሉ ኢዩ።

ድሕነት ወዲ ሰብ ብጥንሲ ተጀመረ፣ ብልደት ተበሰረ፣ ብስቕለት ተፈፀመ፤ ብትንሳኤ ተደምዲሙ፡፡ ሕድሕድ ምዕራፍ ብፈተናን ብሓጎስን ኢዩ ተሓሊፉ፡፡ ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕረት እዋን ምቕራቡ እምበር ኩሉ ነገር ምዝዛሙ ኣየብሰረናን፡፡ መዓልቲ ከምዝተቓረበ እምበር፤ ኩሉ ነገር ምዝዛሙ ኣየብሰረናን፡፡ ዕለተ ስቕለቱ በፂሑ ኣዳም ካብ ባርነት ዲያብሎስ፣ ካብ ኣርዑት ሓጢያት ናፃ ክሳብ ዝወፅእ እዋን፣ ኣብ መገዱ ብዙሓት ውፃእ ውረዳት ኣጋጢሞም ኢዮም፡፡ ኣዋጅ ሞት ሄሮድስ፣ ስደት፣ ምንግልታዕ፣ ጥሜት፣ ፃምእ ነይሩ ኢዩ።

ፀላኢና ዲያብሎስ ብዘይውዳእ ተንኮሉ ንኣዳም ክሳብ መወዳእታ ካብ ፈጣሪኡ ኣቋራሪፁዎ ንምንባር ካብ ጥንሱ ክሳብ ልደቱ ዘይፈንቀሎ እምኒ፣ ዘይፈፀሞ ሽርሒ ኣይነበረን፡፡ ጭፍራታቱ ኣዋፊሩ ብዙሓት ብዙሓት ምስ ሓቂ ከይኸዱ ንተኸተልቱ ኣፈራሪሑዎም ኢዩ፡፡ ናብ ክርስቶስ ንዝመጽኡ ገዲፍኩምዎ ውፀኡ ኢሉ ኢዩ፡፡ ንሃዋርያት እንተይተረፈ ብገንዘብ ክኽሕዱ ገይሩ ኢዩ፡፡ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ ሮማውያን፣ ምስ ናይ ውሽጢ ባንዳታት ኣይሁዳውያን ብሓደ ኮይኖም ንክርስቶስ ኣሳዲዶም ኢዮም።

ፀላእቲ ኢትዮጵያ እውን ክውለድ ዝበለ ተስፋና ከተዓናቕፉ ንዓመታት ተቓሊሶም ኢዮም፡፡ እንትጥነስ ከተዓናቕፉዎ ፈቲኖም ነይሮም፡፡ ምውላዱ ምስፈለጡ ዘይፈፀሙዎ ግፍዒ የለን፡፡ ጎንፂታት እናፀሞቑ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እናጋጨዉ፣ ነናብ ዝኣተዉዎ ንፁሃን እናመዛበሉን ካብ ህጻናት ክሳብ ኣረጋውያን እናሳቐዩን ብጭካነ እናቐተሉን ነይሮም ኢዮም፡፡ ናይ ምድሓን እዋን ሃገርና ክሳብ ዘይመፅእ ክሳብዝመስል መከራና በዚሑ ተራኢዩ ኢዩ፡፡ ከም ሄሮድስ ዝበሉ መራሕቲ ብሩህ ተስፋና እናፀልመቱ ብዘሎን ዘየለን ጉልበቶም ተቓሊሶም ኢዮም፡፡ ሓድነትና ከፍርሱ ተሓባቢሮም፤ ሃገርና ከፍርሱ ክሳብ ሲኦል ንምውራድ ምሒሎም ኢዮም፡፡ ኢትዮጵያ በዚ ኩሉ መከራ ሓሊፋ ኣብዚ በፂሓ ኣላ፡፡ ዝተጠነሰ ለውጢ ተወሊዱ የዓቢ ኣሎ፡፡ ኢትዮጵያ እውን ብዝውርወሩላ ኣእማን ድልድላት እናሃነፀት፣ ተስፋኣ ንምፍፃም ካብ ምጉዓዝ ኣይኣገዳን።

ፍቱዋት ወገናተይ፣

ሰብ በህይወቱ ኣዚዩ ወሰንቲ ካብ ሞንጎ ዝኾኑ መዓልቲታት እቶም ክልተ፤ ዝተወለደላ መዓልቲን ንምንታይ ከምዝተወለደ ዝፈለጠላ መዓልቲን ኢየን ይበሃል፡፡ ኩልና ብዘይ ሓደ ዕላማ ኣይተፈጠርናን፡፡ ኣቱም ንብሎም ቀዳሞት ኣቦታት ኣቱም ዘበሎም ጉዳይ ንምንታይ ከምዝተወለዱ ምፍላጦም ኢዩ፡፡ ኢትዮጵያዊ ኮይንና ምውላድና ብዘይምኽንያት ከምዘይኮነ ሓሲብና ሃገርና ካብ ፅግዕተኝነት ዘላቕቕ፣ ወገናትና ካብ ዕንክሊል ድኽነት ዝገላግል፣ ንኢትዮጵያ ናብ ጎደና ዕቤት ዘእቱ፣ ኢትዮጵያ ብኹሉ ነገር ርእሳ ክኢላ ጠጠው ንኽትብል ዝገብር፣ ሓደ ቁምነገር ሰሪሕና ክንሓልፍ ኣለና።

ነዚ ድማ ካብ ሕዚ ዝሐሸ እዋን የለን፡፡ ሕዚ ንርከበሉ እዋን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ክሰጋገር ዝኽእል መንፀባረቒ ገድሊ ዝስረሐሉ፣ ብኹርዓት ዝንገር ታሪኽ ዝፀሓፈሉ ወሳኒ እዋን ኢዩ።

መዓልቲ ኢትዮጵያ ክወግሕ ፀልማት ሰንጢቑ ጉዕዞ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ወርሒ ደሚቓ ክትወፅእ ምስ ፀልማት ኣብ ቃልሲ እያ ዘላ፡፡ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ኩልና ዓቕምና ብዝፈቕዶ ክንሰርሕ እንተኽኢልና ብዘይ ጥርጥር መፃኢ ኢትዮጵያ ብሩህ ክኾን እዩ፤ ናይ መከራ ዘመና ክሳብ መወዳእታ ክፋኖ እዩ። ኢትዮጵያ እውን ዘይትድፈር፣ እትፍራሕ ሃገር ኮይና ኣብ ፅኑዕ ቦታ ደው ክትብል እያ፡፡

ኢትዮጵያ ንምግልጋል ክንለዓል ከለና ልቢ ክንብሎ ዝግባእ ነገር ኣሎ፡፡ ዝተሓንገጥናዮ ዕላማ ክንዲ ዝኾነ ገዚፍን ቅዱስን ዋላ እንተኾነ ትሕትና እንትዘይተሓዊስዎ ትርጉም የብሉን፡፡ ዓበይቲ ዕላማታት ፍፃመኦም ጥራሕ ዘይኮነስ ኣፈፃፅመኦም እውን ዘገርም እዩ፡፡ ልደተ ክርስቶስ እውን ዘምህረና እዚ እዩ፡፡

እግዚኣብሄር ወልዱ ዓለም ንምድሓን ንዓብዪ ዕላማ እንትልእኾ ካብ ዓበይቲ ሰባት እሱራት፣ ካብ ፍሉጣት ንላዕሊ ንከፍቲ፣ ካብ ብገይፀመይፂ ዝወቀቡ ቤተ መንግስትታትን ቦታታትን ደምበ መሪፁ፡፡ ነዚ እዩ ዓለም ምድሓን ዝኣክል ልዑል ስራሕ ብትሕትና ዝተፈፀመ፡፡ ዓበይቲ ዓወታት ብትሕትና ተጀሚሮም ብትሕትና ከምዝዛዘሙ መድሃኒ ኣለም ክርስቶስ ኣምሂሩና እዩ፡፡ ሐዚ ብትዕቢትን ሓይልን ተወጢርና እንጅምሮምን ብስምዒት “ኣነ ይፈልጠልካ” ተዓቢና እንሰርሖም ስራሕቲ ዘላቒ ዕድመ ክህልዎም ኣይኽእልን፡፡ ካብ ድኻ ህዝቢ ርሒቕና፣ ብመጋየፂ ኣብ ዝወቀቡ ቤት ፅሕፈታት ተቖሊፍና፣ ኣብ ዘመናዊ መኪና ኮይና እንውጥኖም ትልምታት ዋላ ይተግበሩ ፀኒሖም ግን ይፍርሱ እዮም፡፡ ብኣንፃሩ ውርድ ኢልና ምስ ህዝቢ ዝወጠንናዮም ሸቶታት ዋላ እኳ ጀሚርና እንተዘይወዳእናዮም መፃኢ ወለዶ ተቐቢሉ ኣብ ጫፍ ከብፀሖም እዩ፡፡

ብካሊእ መዳይ በዓል ልደት ብህዝበ ክርስትያን ምልክት ዕርቂ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡ ኣብ ሞንጎ ፈጣርን ኣዳምን ዝነበረ መንደቕ ፅልኢ መጀመርታ ብቃሉ እዩ ፈሪሱ፡፡ “ካብ ወዲ ወድኻ ተወሊደ ከድሕነካ እየ” ብመሰረት ዝበሎ ልደት ክርስቶስ ቃሉ ናብ ተግባር ምልዋጡ እቲ ዕርቂ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ኣርእዩ እዩ፡፡

ብድፍኢት ዲያቢሎስ ሕጊ ዝጠሓሰ፣ በደል ዝፈፀመ ኣዳም እናሃለወ ንዕርቂ ወዲ ኣሕሊፉ ዝሃበ ግና ፈጣሪ እዩ። ኣዳም ንምድሓን ካብ ኣርዑት ሓጥያት ንምልቓቕ እየሱስ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ብስጋ ምውላዱ ክብሩ ወሲኽዎ እምበር ኣይቀነሶን፡፡ በቢዘመኑ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ብኣጎሃሃርቲ ጭፍራታት ዲያቢሎስ ዝለዓሉ ጎንፅታት ተፈጢሮም ይፈልጡ እዮም፡፡ ነቲ ጎንፂ ስዒቡ ዝበፅሕ በደል ሓቢሮም ዝነበሩ ፀጋታትና ክበትኽ ተቃሊሱ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ወዲኡ ክብጥሶም ኣይከኣለን፡፡ ማሕበራዊ ፀጋታትና ብይቅርታ እናተለወሱ ብዕርቀ ሰላም ተጸጊኖም ናብ ቦተኦም ይምለሱ፡፡ ክሳብ ሕጂ እውን ከም ሃገር ደው ዘበለና እዚ እዩ፡፡

እቲ ጁንታ ኣብ ሰራዊት ምክልኻልና ዝፈፀሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ዝተፈጠረ ጎንፂ ሓዊሱ ብካልኦት ምኽንያታት ኣብ ሃገርና ዝተፈፀሙ ምብድዳላት ንምፍዋስ ኣብዚ ሰዓት እዚ ዕርቀ ሰላም የድልየና እዩ፡፡ ሓድነትና ንምሕላው ስለዘኽእለና በቲ ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያ ከምተትርፍ እሙን እዩ፡፡ ከምቲ ብዕርቂ ኣምላኽን ሰብን ዝኸሰረ መጋገዪ ዲያብሎስ እኩይ ዕላማ ህወሓትን ሸኔን ከምኡ እውን ታሪኻዊ ፀላእትና ሕልሞም ክኸሽፍ እዩ፡፡

ደጊመ ርሑስ በዓል ልደት ይኹነልና፡፡

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተኸቢራን ተሓፊራን ንዘላኣለም ትንበር!!

ፈጣሪ ኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

28 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም.

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.