Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ አፈወርቂ ብምዃን ኣብ ጣቢያ መራብሒ ፈልሲ ፍረምረን ኣትክልቲን ፍሎራ ቬጅ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ አፈወርቂ ብምዃን ኣብ ከተማ ባቱ ዝርከብ ጣቢያ መራብሒ ፈልሲ ፍረምረን ኣትክልቲን ፍሎራ ቬጅ ዑደት ኣካይዶም።

ፍሎራ ቬጅ፥ ብዓመት 20 ሚሊየን ፈልሲታት ፍርምረን ኣትክልቲን ብምርባሕ ንሓረስቶት ዘቕርብ ሃገር በቆል ጣቢያ መራብሒ ፈልሲ ኢዩ።

እቲ ጣቢያ ንክፍለ ኢኮኖሚ ሕርሸ ዓቢዪ ትኹረት ዝተውሃቦ ልምዓት መስኖ ብምሕጋዝ ልዑል ግደ ከምዝፃወት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ተዛሪቦም።

ብብር ኣርባዕተ ሚሊየን ዝተጣየሸ እቲ ትካል፥ ካብ 20 ክሳብ 30 ኣብ ዘለዉ መዓልቲታት ውሽጢ ዝባፅሑ ፈልሲታት ኣትክልቲን ፍራምረን ብምርባሕ ንሓረስቶት ዘቕርብ ኢዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.