Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ አፈወርቂ ብምዃን ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መቂ-ዝዋይ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳያስ አፈወርቂ ብምዃን ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መቂ-ዝዋይ መሪቖም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ሃይለማርያም ደሳለኝን ተረኺቦም።

ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መቂ-ዝዋይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ሺሕ ሄክታር መሬት ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ተወሳኺ ፕሮጀክት መስኖ እንትዛዘም ድማ 15 ሺሕ ሄክታር ከልምዕ ከምዝኽእል ተገሊፁ።

ቅድሚ እቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ፥ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ወረዳ ዱግዳ ዝርከብ ጣቢያ ፈልሲ ተረኺቦም ዑደት ምግባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.