Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፓኪስታን መዘነኦም ብስልኪ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ፓኪስታን ኢምራን ካን ብስልኪ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ማዕበልቲ ሃገራት ዘስዕቦ ዘሎ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ብዝምልከት ልዝብ ኣካይዶም።

እቲ ቫይረስ ኣብ ኢኮኖሚ ዝህልዎ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምቁፅፃር ማዕበልቲ ሃገራት ስረዛ ዕዳ ከምዘድልየን ኣብ ስምምዕነት በፂሖም።

እተን ሃገራት ኢኮኖኖሚአን ካብ ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮና ክሳብ ዘንሳዕርር ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኮቪድ-19 ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ኣብ ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዘስዕቦ ዘሎ ኩለመዳይ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብምፅራሕ፤ ኣለቃሕቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ልቓሕ ብምስራዝ ናይተን ሃገራት ኢኮኖሚ ከድሕና ይግባእ በሃሊ ኢዮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.