Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ህይወቶም ብዝሰኣኑ ወገናት ዝተሰመዖም ዓምዩቕ ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘማሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ኣብ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ብዙሓት ዜጋታት ህይወቶም ኣስኢኑ ኢዩ” ኢሎም።

ብዘጋጠመ ዝኸፍአ ጉድኣት ዝተሰመዐኒ ዓምዩቕ ሓዘን እገልፅ ኢሎም።

ነቲ ሓደጋ ስዒቡ ሓይሊ ዕማም ምክልኻል ሓደጋ ፌዴራል ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ጉድኣት እቲ ሓደጋ ንምቕናስ ምርብራብ ይገበር ከምዘሎ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.