Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን የሆራን ኣርሰዴን ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን የሆራን ኣርሰዴን ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ እቲ በዓል ብሰላም ተጀሚሩ ብሰላም ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣባ ገዳታት፣ ሲንቄታት፣ መናእሰይ፣ ርእሰ ምምሕዳራት፣ ትካላት ፀፅታ፣ ኩሎም ዕዱማት እቲ በዓልን መራኸብቲ ሓፋሽን ኢዮም ምስጋና ኣቕሪቦም።

“ባህሊታትን እሴታትን ኢትዮጵያ መሰረቶም ደለይቲ ሰላምን ምትሕብባርን ስለዝኾኑ፥ ንህዝቢ ዓለም ካብ እነርእየሎም ቀንዲ መድረኻት ናይ ኣደባባይ በዓላት ኢዮም” ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.