Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ስዊድን መዘነኦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ስዊድን ስቴፈን ሎቫን ተዛቲዮም።

ኮቪድ-19 ንምክልኻል ብሃገርን ብብርኪ ቐጠናን ዝግበሩ ፃዕሪታት ኣድሂቦም ከምዝተዛተዩ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ፅሒፎም።

ኣብዚ ፈታኒ እዋን ከምዚ ዓይነት ዓለም ለኸ ምትሕብባራት ኣድለይቲ ከምዝኾኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

መንግስቲ ስዊድን ምስ ኢትዮጵያ ንምትሕብባር ምውሳኑ እውን ኣድኒቖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.