Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ ሱዳን መዘነኦም ዓብደላ ሃምዶክ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሱዳን ቀዳማይ ሚኒስትር ዓደላ ሃምዶክ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ትማሊ ድሕሪ ሰዓት ብኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣብ ዝተሳለጠ ዘተ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸውን ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለን ሓዊሱ ላዕለዋይ ልኡኽ ክልቲአን ሃገራት ተሳቲፎም።

እቲ ዘተ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘለዉ ዘይተዛዘሙ ዛዕባታት ንምዝዛምን ዝተዛብዐ ግንዛበ ዝነበሮም ጉዳያት ንምፅይ ዝዓለመ ምዃኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ሓለዋ ከባቢያዊ ኣየር፣ ኩነታት ድሕንነት እቲ ግድብ፣ ምምዕርራይ ልውውጥ ሓበሬታን ብወገን ሱዳን ዝተለዓሉ ዛዕባታትን ምላሽ ተዋሂቡዎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ እዋናዊ ኩነታት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትጵያ ዝርከበሉ ብርኪ ህንፀት ገሊፆም።

እቲ ግድብ ኢኮኖሚ ሰለስቲአን ተፋሰስ ሃገራት ንምጥንኻር ምዕሩይ ሃዋህው ከምዝፈጥር እውን ተዛሪቦም።

ቴክኒካዊ ዘተ ክልቲአን ሃገራት ብሚኒስትራት ማይ ኣቢሉ ንኽቕፅል ኣብ ስምምዕነት ምብፀሖም እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ዶክተር ኣቢይ እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ፥ “ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንኹሎም ኣካላት ኣብ ዘስማዕምዕ መፍትሒ ኣድሂብና ዘቲና” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.