Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ተዛቲዮም – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎድና ጎድኒ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ክልተኣዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምዝታዮም ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ካሳ ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዝበለኦ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ኣፍሪካ፤ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣብ ካልኦት ኣህጉራት ዝርከቡ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት እናጋጠመን ዝርከብ ፀገም ፋይናንስ ብፍላይ ስርዓት ኣከፋፍላ ዕዳ ከምኡ እውን እናበፅሐን ዝርከብ ፅዕንቶ ኣመልኪቶም መልእኽጺ ኣመሓላሊፎም፡፡

ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ እውን ናይ ኣሰራርሓ ምምሕያሽ ክገብራ ከምዝግባእን እተን ትካላት ዝኣተወኦ ቃል ናብ ተግባር ክቕይራ ከምዝግባእ ምግላፆም እተን ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሀን፡፡

ብካሊእ መዳይ ብወገን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተትሓዙ ቀፃልነት ዘለዎም ሽቶታት ልምዓት ብዝምልከት ኣብ ምምዕባል ንዝርከባ ሃገራት ዝተኣተወ ቃል ብዙሓት ሓገዛት ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እዚኣቶም እውን ናብ ተግባር ምእታው ከምዝግበኦም ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዓለም ለኸ መድረኽ ካፒታል ልምዓት ንኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብዝግበአን ልክዕ ምቕራብ ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም ኢዮም ኢለን፡፡

“ዓለም ብክሌማዊ ለውጢ ዝተሓላለኸ ፈተና እናሓለፈት ኣብ ትርከበሉ እዋን ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ጭቡጥ መፍትሒ እናቅረባ ዝርከባ ሃገራት ሓገዝ ክረኽባ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ውፅኢታዊ ተሞክሮ ኣብቲ መድረኽ ከምዘቕረቡ እተን ሚኒስትር ዲኤታ ገሊፀን፡፡

መፍረያይነት ንምድንፋዕ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘሎ ኮይኑ ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ፅዕንቶ ንምፅዋር ንዕኡ ዝምጥን ሓገዝ ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም፡፡

እተን ሚኒስትር ዴኤታ÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎድና ጎድኒ ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ጉባኤ ሓዱሽ ስምምዕነት ፋይናንስ፤ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ክልተኣዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምዝታዮም ገሊፀንን፡፡

ብምዃኑ ምስ መራሕቲ ሃገራት ፈረንሳይ፣ ኬንያን ስዑድ ዓረብን ከምኡ እውን ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ፣ ባንኪ ዓለምን ሓለፍቲ ትካላት ፋይናንስ ዓለምን ተዛቲዮም ኢዮም ኢለን፡፡

ብፌቨን ቢሻው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.