Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ሕብረተሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃም ንሰብ ሞያታት ሕክምና ንኽሕግዝ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሕብረተሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብምጥቃም ንሰብ ሞያታት ሕክምና ንኽሕግዝ ፀዊዖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ቁፅሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት እናወሰኸ ምዃኑ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ክፍሊ ፅኑዕ ሕሙማት ዘለዎ ዓቕሚ ጠቕሊሉ እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምህባር፥ ስጉምቲታት ጥንቃቐ ዕሽሽ ምባል ከምዘይግባእ ገሊፆም፡፡

ብመንፅር እዚ ድማ ሕብረተሰብ ህይወቱን ህይወት ካልኦት ዜጋታትን ንኸትርፍ ፀዊዖም፡፡

መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብግቡእ ብምጥቃም ንሰብ ሞያታት ሕክምና ንሕግዝ ይግባእ እውን ኢሎም ኣብ መልእኽቶም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.