Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ ህዝቢ ትግራይን ሓይሊታት ፀፅታ ትግራይን ካብ ገባቲ ጉጅለ ህወሓት ንባዕሎም ከድሕኑ ፀዊዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንህዝቢ ትግራይን ሓይልታት ፀጥታን መልእኽቲ ኣመሓላለፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ከምዝፍለጥ ሓመድ ድበ እቲ እኩይ ሓይሊ ኣብ ምዝዛም ኢና ንርከብ። እቲ ሓይሊ ብኹሉ ኣንፈት ተኸቢቡ ኣብ ፀቢብ ዓንኬል ኣቲዩ ኣሎ፡፡ መውፅኢን መእተዊን ስኢኑ ተዓፊኑ ኣብ ፃዕረ ሞት ዝርከብ ሓይሊ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብዛ እዋን እዚኣ ኣብ ግምባራት ተረኺቡ ኣመራርሓ ክህብ ኣብ ዘይዝኽእለሉ ደረጃ በፂሑ ኣሎ፡፡ ደቂኻ በቢቦትኡ ብዘይ ምግቢን ማይን ኣደዳ ሞትን መቁሰልቲን ይኾኑ ኣለዉ፡፡ ስለዝኾነ ደቂኻ ነዚ ዝቕበር ዘሎ ሓይሊ መስዋእቲ ካብ ምዃን ብቕልጡፍ ኣድሕን፡፡ ደቂኻ ዝበልዑዎ ምግቢን ዝሰትዩዎ ማይን ዘይብሎም ብኣፈ ሙዝ እናተደፍኡ ድራር ዓረር ይገብሮም ኣሎ፡፡ ሞት ደቒኻ ዕድመ እቲ እኩይ ሓይሊ ብሰዓታት ወይ መዓልቲታት ካብ ምንዋሕ ሓሊፉ ምንም ጥቕሚ የብሉን፡፡ ሰብ ንዕላማ ንሃገርን ህዝቢን እምበር ንጉጅለ ጥፍኣት ኢሉ ክመውትን ኣካሉ ክጎድልን የብሉን፡፡

ካባኻ ንላዕሊ ሳዕቤንን በሰላን ውግእ ዝፈልጥ የለን፡፡ እቲ ገባቲ ጉጅለ ንርእሱ ኣይመውትን ኣካሉ እውን ኣይጎድልን፡፡ ዝኸበረ ህይወት ደቂኻ መጣልዒ ጉጅለ ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ስለዝኾነ ህይወት ዕሸላት ደቂኻ ንምድሓን እቲ ካብ ወራራት ዕስለ ኣምበጣ ዝተረፈ ኣዝመራኻ ንምእካብን ናብ ንቡር ስራሕኻ ብፍጥነት ንምምላስን ሻማሻማ ኢልና ነዚ ጉጅለ ነቃብፆ ክብል ይፅውዕ።

ዝኸበርካ ህዝብና

ሓመደ ድበ እቲ ገባቲ ጉጅለ ብሓፂሩ ወጊንና ናብ ልምዓታዊ ውራይና ክንኣቱ ይግባእ፡፡ ህይወት ዕሸላት ደቂኻ ካብ ከንቱ መስዋእትነት ኣድሕን፡፡ ከምቲ ዝጀመርካዮ ድማ ንሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ግበር፡፡

በዚ ኣጋጣሚ ነታ ዝሃነፅካያ ሃገር መሊስካ ኣድሕንን ታሪኽካ ሓድስን፡፡ እዚ ሃገርካ ኢትዮጵያ ተቕርበልካ ዘላ ክቡር ፃውዒት ኢዩ፡፡

ኣብ ዝተፈላለየ ብርኪ ምምሕዳር ትርከቡ ሲቪል መራሕቲ

እቲ ተፃብኦ ምስቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ዝተሓብአ ጉጅለ ጥራሕ ኢዩ፡፡ስለዝኾነ ንባዕልኹም ካብቲ እኩይ ጉጅለ ንኽተርሕቑ ፃውዒት ቀሪቡልኩም ኣሎ፡፡ በቢዘለኹምዎ ድማ ህዝቢ ወዲብኩም ምስ ሓይሊታት ምክልኻል ሃገርና ኮይንኩም ሃገራዊ ዕማም ክትዛዝሙ ይግባእ፡፡ ከምዚ ብምግባር ዕድመ እቲ ጉጅለ ኣብ ምሕፃርን ርእስኹም ድማ ካብ ተሓታትነት ኣብ ምድሓን ግቡእኹም ፈፅሙ፡፡

ኩሉኹም ኣባላት ፅፅታ ትገህራይ

ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልቲታት እንታይ ከምዝረኸብኩም ርኢኹም ኣለኹም፡፡ ናይቲ ስርዓት ተረባሕቲ ብኣፈ ሙዝ እናደፍኡ ናብ ሓዊ የእትዉኹም ኣለዉ፡፡ ንሳቶም እናበልዑን እናሰተዩን ይድቅሱ ንስኻትኩም ኣብ ጥራሕ ከብድኹም ኣደዳ ዓረር ትኾኑ ኣለኹም፡፡ ንሳቶም ግና ደሞም ንምፍሳስ ኮነ ድምፂ ቶኽሲ እኳ ክሰምዑ ኣይደልዩን፡፡ ነየናይ ዕላማ ኢኹም ዕሸል ዕድመኹም ተሕፅሩ ዘለኹም? ንትግራይከ ንምንታይ ወላድ መኻን ክትከውን ትገብሩዋ ኣለኹም? ንምንታይ ጉልበትኩም ኣብ ልምዓት ዘይተውዕሉዎ? ንምንታይ ንትግራይ ጠወርታ ካብ ምዃን ኣካልኩም ጎዲሉ ሸኽማ ትኾኑ?  ኣካል እዚ ዝተስዓረ ሓይሊ ንምንታይ ደምኩም ተፍስሱ ህይወትኩም ትግብሩ? ካብ መዓልቲታት ዝበለፀ ዕድመ ንዘይብሉ ዝተኣሰረ ሓይሊ ህይወትኩም ክትግብሩን ደምኩም ክተፍስሱን ፈፂሙ ኣይግባእን፡፡

ኣንፃር እቲ ጉጅለ ተለዓሉ ወይ ኢድኩም ንሓይሊታት ምክልኻል ሃገር ሃቡ፡፡ እቲ ሃገርኩም ዘሃበትኩም ዕድል ከየምለጠ ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ሰለስተ መዓልቲታት ርእስኹም ኣድሕኑ።

ኢትዮጵያ ብሓቀኛታት ደቃ ክትስዕር ኢያ የቕንየለይ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.