Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር) በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ዒድ ኣል ኣድሃ ናይ ፈተናን መስዋእትነትን በዓል ኢዩ ኢሎም።

ነቢዩ ኢብራሂም ብትእዛዝ ኣላህ ወዶም ንመስዋእትነት ዘዳለውሉ፤ ፅንዓቶም ተፈቲኑ ዝተዓወተሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ነቲ ፅንዓቶም ካብ ኣላህ መተካእታ በጊዕ ዝረኸብሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ካብቲ በዓል ብዙሕ ኢና ንመሃር ብምባል፥ ዝኾነ ይኹን ፈተና ብፅንዓት እንተሓሊፍካ ዋግኡ ካብ ፈተና ንዓቐብ ከምዝኾነ ዘምህር ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ከቢድ ፈተና ከቢድ ቁርፀኝነት ይሓትት ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከቢድ ቆራፅነት ድማ ከቢድ ውሳነ ከምዝሓትት ከምኡውን ከቢድ ውሳነ ልዑል ዋጋ ከምዘርክብ ኣገንዚበቦም።

ኢትዮጵያ ገዛፍን ዝማዕበለትን ሃገር ንክትከውን አንትንብገስ ከቢድ ከምዝኸውን እንተኣመንና እውን ንኹሉ ዘጋጥም ፈተና ንምብዳህ ከበድቲ ውሳነታት ወሲንና ኢና ኢሎም።

“ሃገርና ንምድሓን፣ ዘላቒ ረብሓታት ህዝብና ንምኽባርን ካብ ሎሚ ዝሓሸ ፅባሕ ንምፍጣርን ክበሃል ብዙሓት ነገራት ሰዊእና ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ብዘይ መስዋእቲ ዝምዕብል ህዝቢን ሃገርን የለን ብምባል፥ ልምዓት ኮሪደር በዚ መገዲ ብመስዋእትነት ከምዝተሰርሐ ኣዘኻኺሮም።

ፍርኡ ድማ ኣዝዩ ምቁር ከምዝኾነ ርእይና ኢና ኢሎም።

ንምንጋስ ሰላም እውን በዚ መገዲ ምቕፃል ከምዝግባእ ብምሕባር፥ “ኩልና ንመስዋእትነት እንተተዳሊና ዘይዕወት መገዲ ሰላም የለን” ኢሎም።

ልምዓት ኮሪደር ኣብ ከተማታት ንክስፋሕፋሕ፣ ፅኑዕን ዘይዝረግን ሰላም ነክህሉ፣ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ብምክያድ ንክዕወት ዘባፃሕናዮም ውሱናት ነገራት መስዋእቲ ንምግባር ክንዳሎ ኣለና ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.