Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚ ኣቢይን ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማን ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞንን ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማን ኢስተርን ኢንዱስትሪ ዞንን ዑደት ገይሮም።

ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ ሌተናል ጄመራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ብምዃን ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ዑደት ገይሮም ኣለዉ።

እቶም ኣካቢ ሉኣላዊ ቤት ምኽሪን ቀዳማይ ሚነስትርን፥ ኣብ ኢስተርን አንዱስትሪ ዞን እውን ዑደት ገይሮም ኢዮም።

ኣብቲ ዑደት ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ሌተናል ጄነራል ኣብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሂት፥ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅት ኣሎ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.