Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ሳር ቤት ዘሎ ካልኣይ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ሳር ቤት ዘሎ ካልኣይ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር መሪቖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ “ሎሚ መዓልቲ ሓደ ዓወት ስራሕቲ ህንፀት ከተማና ዝኾነ ካብ ሜክሲኮ ክሳብ ሳር ቤት ዘሎ ካልኣይ ስራሕ ልምዓት ኮሪደር መሪቕና” ኢሎም።

“መሰረተ ልምዓት ምድንፋዕ፣ ባህሊ ስራሕን ህርኩትነትን፣ ናየ እግረኛ መገዲታት፣ እኹል ናይ ተሽከርከርቲ መገዲታት ንዕቤት ከተማ ወሰንቲ ኢዮም” ክብሉ ኣብሪሆም።

ዝኣረጉን ዝተጎድኡን ክፍሊታት ከተማታት ምውጋድ ንወለዶ ዝሐሸ ከባቢን መፃኢ ዕድልን ንምትላም ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ዝተጎድኡን ጠንቂ ጥዕና ኣብ ዝኾኑን ከባቢታት ምንባር ምልምማድ ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም።

“ጉዕዞ ዕቤት ከተማና ጋና እናጀመረ ስለዝኾነ ዕቤት እቲ ለውጢ ቀፃሊ ምግባር ወሳኒ ኢዩ፤ ብሓበራዊ ፃዕርና ዝሐሸ ፅባሕ ክነዕውት ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.