Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ ንዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኣመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ኣብ ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ ንዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ኣመስጊኖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ጠንኪርካ ምስራሕን ኣብ ትግሃት ዝተመርኮዘ ጥንኩር ስነ-ምግባር ስራሕን ዓምዲ ዕዉትነት ኢዩ።

ፕሮጀክት መስቀል ኣዲስ ኣበባ ብእዋኑ ንምዝዛም ቀጥሪን ለይቲን እናሰርሑ ዝርከቡ ኩሎም ሰራሕተኛታት ልዑል ምስጋና ከምዝግበኦም እውን ገሊፆም።

ፋውንቴንን ዝተፈላለዩ መዘናግዒታትን ብዝሓቖፈ መልክዑ ይህነፅ ዘሎ ዳግመ ህንፀት ፕሮጀክት መስቀል ኣደባባይ፥ ካብ ለገሃር – ጎደና ቸርችል ክሳብ ፒያሳ ኣብ ምስ ዝስራሕ ፕሮጀክት ሓምለዋይ ከባቢ ዝተተሓሓዘ ኢዩ።

ህንፀት እቲ ፕሮጀክት ንህዝባዊ ኣደባባይነት ብዝምጥን ብዘበናዊ መልክዑ እናተሃነፀ እንትኸውን፥ ኣብ ትሕቲ መሬት እቲ ኣደባባይ ክሳብ 1 ሺሕን 400 ተሸከርከርቲ ክሕዝ ከብል ዝኽእል መቖሚ መኪና ክህነፅ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ኣደባባይ ሰብ ዝጓዓዘሉ ሰፊሕ መንገዲ ከምዝህሉ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ጫፍ እቲ መንገዲ ንጉዱኣት ኣካል ዝምቹን ንመጓዓዓዚ ብሽክልታን ብዘካትት መልክዑ ኢዩ እናተሃነፀ ዝርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.