Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ በዓል ዓወት ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ዓድዋ ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ “ዓወት ዓድዋ ብልዑል ድምቀት ክነኽብሮ ዝገብሩ ብዙሓት ምኽንያታት የሃልዉ እምበር እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዓወት ናይ ኩልና ብምዃኑ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዓድዋ ዘይተሳተፉ ቀዳሞት ኢትዮጵያውያን ከምዘይርከቡ ኣብሪሆም።

“ኩሉ ከም ዓቕሙን ክእለቱን ደሙን ረሃፁን ኣፍሲሱ፣ ዓፅሙን ስግኡን ገቢሩ፣ ፍልጠት ክእለቱ አዋፂኡ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ናይ ኣቦ ሓጎታት ዝኹሉ ዋጋ ዝኸፈሉ ንግዝኣታዊ ሓድነት፣ ኢትዮጵያዊነት ክብሪን ሉኣላዊነት ሃገርን ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ሎሚ ንኾርዐሉ መንነት፣ ከምድላይና ዝዕንድረሉ ናፅነት፣ ውዒለና ንሓድረላ ሃገር ዝረኸብና ብናቶም መስዋእቲ ስለዝኾነ፤ ዓድዋ ኣርማ ኹልና ኢዩ ንብለሉ ምኽንያት እዚ ኢዩ” ኢሎም።

ዓድዋ ኣብ ኩሉ ጋህዲ ዝኾነ፣ ንኹሉ ዝተርከተ ክቡር ህያብ ብምዃኑ፥ ከም ክባር ዕንቚ ብክንክን ከምዝረአ እውን ገሊፆም።

“ብብዙሕ ነገር ዘይክንተኣሳሰር ንኽእል ኢና ዓድዋ ገን ገመድ ኮይኑ የተኣሳስረና፤ ብብዙሕ ጉዳያት ዘይክንመሳሰል ንኽእል ኢና ዓድዋ ቀለምን ቅርፂን ሂቡ የመሳስለና፤ ብብዙሕ ነገር ዘይክንረዳዳእ ንኽእል ኢና፤ኣቦ ሓጎታትና ኣረዳዲኡ ኣብ ሓደ ዓውደ ኲናት ዘቃለሰ ዓወት ዓድዋ ግን የረዳድአና” ክብሉ ገሊፆም።

“ኣብዚ ሕዚ እዋን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝፈታተኑ ካብ ውሽጢ ይኹን ወፃኢ ዝመፅኡ ሓይሊታት፤ ናይ ኣቦ ሓጎታት ሓደራ ዘፍርሱ ስለዝኾኑ ናይ ኩልና ፀላእቲ ኢዮም፤ ኣብ ልዕሊ ናፅትናን ሉኣላዊነትናን ዝፍነዉ እኩይ ስጉምቲታት ብመከራ ዝወረስናያ ኢትዮጵያ ከምዝበቆሉ ሕበጣት ቆፂርና ክንቃለሶም ኢና” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ መልእኽቶም።

ንኢትዮጵያ ንምንእኣስን ኢትዮጵያዊነትን ንምርኻስን ለይቲን ቀትሪን ሽርሒ ዝጉንጉኑ ኣካላት፤ ዓድዋ ዘጋመዶ መንነት ክበትኩ ከምዘተለዓሉ ላማታት ብምሕሳብ ከምዝምከቱ እውን ኣብሪሆም።

ዓወት ዓድዋ እንትንዝክር ኣርባዕተ ኣካላት ማለት እውን፤ መራሕቲ እቲ ወፍሪ፣ መራሕቲ ኲናት፣ ደጀናት እቲ ኲናትን መሰረት እቶም ተዋጋእቲን ምሕሳብ ይግባእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ከም ዓድዋ ዝበለ ዓወት ንምምፃእ እዞም ኣካላት ተስማዕሚዖም፣ ተዋዲዶምን ተናቢቦምን ንሓደ ሃገራዊ ዕላማ ከምዝሰርሑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ሕዚ እውን እዞም ኣርባዕተ ሓይሊታት፤ መራሕቲ፣ ወፈርቲ፣ ደጀናትን መሰረታትን ንሓደ ዕላማ ጠጠው ክብሉላ ከምትደሊ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ዕላማና ሓደ ኢዩ ንኢትዮጵያ ብኩለመዳይ ዝማዕበለት ኣፍሪካዊት ሃገር ምግባር፤ በቢ ብርኩ ዝርከቡ መራሕቲ፣ ኣብ ትካላት ዝርከቡ ወፈርቲ፣ ንወፈርቲ ብፍልጠት፣ ብገንዘብ፣ ብምኽሪ፣ ብማዕዳ፣ ብሓሳብ፣ ብጥበብ ዝድግፉ ደጀናት፣ በዓልዋና እዚ ኩሉን ተጠቃሚ ዝኸውን ህዝቢ ሓደ ብምዃን እንተዘይሰሪሕና ግና ምዕባለ ትምኒት እምበር ሕይወት ኣይኸውን፤ ይትረፍ ታሪኽ ምስራሕ ታሪኽ ዘከርቲ እውን ኣይንኸውንን” ኢሎም።

“ዓድዋ ብፀገም ተኸቢብካ ምትራፍ ኣየምሀረናን፤ ዕድል ቆፂርካ ፀገም ምስጋር እምበር፤ ካብ ትማሊ ብዝበለፀ ኣብ ፅባሕ ትኹረት እንተገይርና፤ ኩሉ ነገር ትሕቲ ኢትዮጵያ እንተገይርና ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና እንተፅኒዕናን፥ ከም ግመ ዝኸበበና ፈተና ከም ትኪ በኒኑ ክጠፍእ ኢዩ፤ ሽዑ ዓወት ዓድዋ ኣብ ልዕሊ ድኽነትን ድሕረትን፤ ምፍልላይን ምክፍፈፋልን ክድገም ኢዩ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ሰናይ በዓል ዓወት ዓድዋ ንኽኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.