Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና ብዓወት ከምዝተዛዘመ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና ብዓወት ከምዝተዛዘመ እቲ ፓርቲ ኣፍሊጡ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝነበረ ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና ቀፀልቲ ኣንፈታት ትኹረት ዘመላኽቱ በዓል ሽዱሽተ ነጥቢ መግለፂ ቅዋም ብምውፃእ ከምዝተዛዘመ እቲ ፓርቲ ገሊፁ።

ምኽባር ናብራን ናህሪ ዕዳጋን ግዘ እንተይተውሃቦ ተሰሪሑሉ ናብራ ዜጋታት ንምምሕያሽ ኣመራርሓን ኣባልን ክሰርሕ ከምዝግበኦ ፓርቲ ብልፅና ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ሓላፊ ዘፈር ርክብ ህዝቢን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ከምዘብርሁዎ፥ እቲ ጉባኤ ክመዳይ ምዕባለ ዜጋታት ዘረጋግፁ ኣንፈታት ብምቕማጥ ኢዩ ተዛዚሙ።

ኢኮኖሚ እታ ሃገር ስርዓታዊ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ዝሓበረ እቲ ገባኤ፥ “ኣመራርሓ ናብራ ዜጋታት ዝልውጡ ስራሕቲ ንኽርሕ ኣንፈት ተቐሚጡ ኢዩ” ኢሎም።

ሃገራዊ ለውጢ ክቕፅል ምግባር፣ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ምስፋሕ፣ ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ምስራሕ ዘኽእሉ ኣንፈታት እውን ኣቐሚጡ ኢዩ።

ቀዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልጽግና 225 ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ እውን መሪፁ።

እቶም ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ ድማ 45 ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ መሪፆም።

መካተቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኽዕወት ብፅሒቱ ከምዝዋፃእ እውን ኣብ ጉባኤኡ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ብዓልኣዛር ታደለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.