Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ብርኪ ኣዋፃኣይነት መፅናዕቲ ፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ ሱዳን ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቀዳማይ ብርኪ ኣዋፃኣይነት መፅናዕቲ ፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ ሱዳን ብኣማኻሪ ትካል ካናዳ ሲ ፒ ሲ ኤስ ትራንስኮም ቀሪቡ።

1 ሺሕን 522 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎን ኣደስ ኣበባ ምስ ካርቱም ዘራኽብ እቲ ፕሮጀክት ባቡር ነክህነፅ ብመንግስታት ክልቲአን ሃገራት ፍቓድ ከምዝረኸበ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ቦርድ ዳይሬክተራት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ንፕሮጀክት ባቡር ኢትዮ ሱዳን ኣዋፃኣይነት መፅናዕቲ ዝኸውን ንኢትዮጵያ 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ኣፅዲቑ ነይሩ።

ዕላማ እቲ መፅናዕቲ ኢኮሚኖያዊ፣ ማህበራዊን ፖለቲካዊን ረበሕኡ ዝጎልሀ መስመር ባቡር ንምዝርጋሕ ከምዝኾነ  ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ኣብ ትዊተር ፅሒፈን።

ፖሊሲ ሎጂስቲክስ፣ ባህጊ ኮንስትራክሽን ብሄራዊ ኔትወርክ ባቡር፣ ዓለም ለኻዊ መስመር ትራንስፖርት ባሕሪን ቀፃልነት ዘለዎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን መሰረት ዝገበረ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ተዘሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.