Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኖርዌይ ኤርና ሶልበርግ ተዛትም።

ክልቲኦም መራሕቲ፥ ኣብ ክልተኣዊ፣ ቐጠናዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ኣድሂቦም ምዝታዮም ተገሊፁ።

ኤርና ሶልበርግ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት፥ ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ እውን ክዝተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ከምዝዛተያ ተሓቢሩ።

ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝሳለጡ ዘተታት ክሳተፋ ኢየን እውን ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.