Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚ/ር ዶ/ር ኣቢይን ፕሬዚዳንት ኢሳያስን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክትር ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ፕሬዚዳንት ሃገረ ኤርትራ ኢሳያስ ኣፈወርቂን ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም መራሕቲ ሎሚ መዓልቲ ንዑደት ኣብ ኣዳማ እንትበፅሑ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ  ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብቲ ፓርክ ኢንዱስትሪ ብምዝውዋር ዝተፈላለዩ ከይዲታት ፍርያትን ዓይነታት ምህርቲን ዝተዓዘቡ እንትኾኑ፥ ብዝዓባ እቲ ፓርክ እውን መብርሂ ተገይሩሎም ኢዩ።

ካብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኣዳማ ብተወሳኺ ኣብ ኣዳራሽ ገልማ ኣባ ገዳ እውን ዑደት ዘካየዱ እንትኸውን፥ ፕሬዚዳንት ኢሳያስ ዑደት ምክያዶም ሕጉስ ከምዝኾኑ ኣብቲ እዋን ዑደት ተዛሪቦም።

ነቶም መራሕቲ ዝተፈላለዩ ህያባት ተበርኪቱሎም ኢዩ።

ፕሬዚዳንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ትማሊ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይፍለጥ።

ብኣልኣዛር ታደለ

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.