Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ  ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ፈተዉቲ ኢትዮጵያን ፃዉዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ  ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኢትዮጵያዊያንን ፈተዉቲ ኢትዮጵያን ፃዉዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዶ መልክዕን ባህርን ደቃ ሓደ ከምዘይኾን ኩሉ፥ ካብ ማህፀን ኢትዮጵያ በቑይሎም ክብሪ ረኺቦምን ንልዕሊ ርብዒ ክፍለ ዘበን ሃገር ዘመሓደሩን ሰባት መሊሶም ሃገሮም ብድሕሪት እንትወግኡ ውርደት ኣዶ ብዘይብህጉ ኢትዮጵያዊያን ርብርብ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ሐዚ እዉን ሞት እቲ ጁንታ ዘይተዉሓጠሎም ሰባት ምስ ፀላእቲ ሃገርና እናተሓባበሩ ዝተዛብዑ ሓበሬታት ይውዝዑ ኣለዉ ኢሎም።

እዞም ሓይልታት ከምድላዮም እንተዘይኮይኖም ኢትዮጵያ ክትነብር ኣይደልይዋን እዉን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝሰኣንዎ ዓወት ብሓሶት ንምምላስ ፃዕሪ ይገብሩ ከምዘለዉ ድማ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ መላእ ዓለም እትነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ፈተዉቲ ኢትዮጵያን ብዛዕባ ሃገርኩምን እዋናዊ ጉዳይን ንማሕበረሰብ ዓለም ብምዝራብ፣ እወንታዊ ገፅታን ክብሪን ሃገርና ንምጥፋእ ንዝተልዓሉ ሰባት ብምርታዕ፣ ሓሶት ብሓቂ ንክተሸንፉ ፃዉዒት አቕርብ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.