Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናፃ ንግዲ ኣህጉራዊ ቀጠና ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ብምእታዉ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናፃ ንግዲ ኣህጉራዊ ቀጠና ኣፍሪካ ናብ ስራሕ ብምእታዉ ዝተሰመዖም ታሕጓስ ገሊፆም።

እዚ ድማ ኣእሞሮ እታ ኣህጉር ንሓሳብ፣ ዕዳጋኣ ድማ ንንግዲ ክፍቲ ዝኾኑሉ ቀጠናዊ ውህደት ኢዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ንግዲ እወንታዊ ዘይኮኑ ረክባት ከምዘወግድን ዝተዋደደ ብልፅግና ከምዘረጋግፅን ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ቀጠና ነግዲ ኣፍሪካ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዕዳጋ ህዝቢ እታ ሃገርን 3 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ፍሪያት ውሽጢ ዓዲን ዝሓዘ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣብቲ ስምምዕነት ካብ ኤርትራ ወፃእ 54 ሃገራት ኣፍሪካ ክታመን ኣንቢረናሉ ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.