Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀጠና ምዕራብ ክልል ትግራይ ነፃ ከምዝወፅአ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ቀጠና ምዕራብ ክልል ትግራይ ነፃ ከምዝወፅአ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፅ  ኣብቲ ቀጠና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣገልግሎት ሰብኣዊ ሓገዝ ይህብ ምህላዉ ብምግላፅ፥ ነፃ ኣብ ዘውፅኦ ከባቢ ህዝቢ እናመገበ፣ እናሓከመን እናተንከባኸበን ኢዩ ኢሎም።

ንስግብግብ ጁንታ ግፍዒ ትንፋሱ ጭካነ ነብሱ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ጀግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሸራሮ እንትቆፃፀር እግሮምን ኢዶምን ብምእሳር ዝተረሸኑ ኣባላት ምክልኻል ሃገር ረኺቡ ኢዩ ኢሎም።

ጭካንኡ ልቢ ዝሰብር ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ዕላምኡ ኢትዮጵያ ምስባር ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ  ካብ ኣልማዝ ንላዕሊ ዝጠንከረት ከምዝኾነት ኣይፈለጡን፤ ዕላምኡ ግን ሰራዊትናን ህዝብናን ኣቖጢዑ ንብቀላ ንምልዕዓል ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ልቦንኡ ሰፊሕ ዝኾነ ህዝብን ሰራዊትን ከምዘለዋ እውን ገሊፆም።

“ ኣብ ሕድ ሕድ ቦታ እንትንበፅሕ ካብዚ ዝገደደ ጭካነን ግፍዕን ክገጥመና ይኽእል ኢዩ። እዚ ግን ነቲ ጁንታ ናይ መወዳእታ ኢዩ” ክብሉ ኣብሪሆም።

ጥንቃቐና ሙዉት ሒዙና ከይመውት ስለዝኾነ፥ ብቕልጡፍ ዝተረፉ ንምድሓንን ግፍዒ ዝተፈፀመሎም ንዓለም ንምግላፅን ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.