Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ነበርቲ ክልል ቤንሻንጉልጉምዝ ዞባ መተከል ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ቤንሻንጉልጉምዝ ምስ ነበርቲ ዞባ መተከል ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ረእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፣ ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪያት ካሚል፣ ላዕለዋይ ኤታማጆር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ብርሃኑ ጁላን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

ኣብቲ ከባቢ ንዘጋጠመ ተደጋጋሚ ፀገም ፀፅታ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘተ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ነዛ ሃገር ሓድነትን ሰላምን ብሕታዊ ኣማራፂ ኢትዮጵያውያን ካብ ፅልኢ፣ ስምዒትን ምድፍፋእን ወፂኦም ሓድነቶም ምጥንኻር ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ቀጠና ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ብዘላቕነት ደው ንምባል ፃዕሪ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ብዙሓት ተዋሳእቲ ብምህላዎም እቲ ፀገም ብህፁፅ ደው ንከይብል ኮይኑ ፀኒሑ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ከባቢ ናብ ሰላም ንምምላስ ብትኹረት ከምዝስራሕ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ተግባር ምኽባር ሕጊ ገለልተኛን ካብ ኣድልዎ ብዝፀፈፈን መገዲ ተግባረዊ ንክኸውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣተሓሳሲቦም።

ብስምዒትን ብሕራነን ተልእኾ ጁንታ ተቐቢሉ ናብ ጫካ ዝተሓብአ ሓይሊ ብሰላማዊ መገዲ ንክምለሱ ንምግባር ኣመራርሓን በቢብርኩ ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላትን ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ መንግስቲ እቲ ክልል፥ ፀጋ ተፈጥሮ እቲ ክልል ብምጥቃም ስራሕ ኣልቦ መናእሰይ ብምውዳብ ተረባሕቲ ንምግባር ብትኹረት ንክስራሕ መልእኽቲ ኣተሓላሊፎም።

መንግስቲ ይወስዶ ካብ ዘሎ ስጉምቲ ብተወሳኺ ኣብዚ ቀጠና ዘላቒ ሰላም ንክንግስ ምስ ዓበይቲ ዓዲ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣወዳድባ መናእሰይን ደቂ ኣንስቲዮን ብምዃን ኣብቲ ዞባ ዝተፈጠረ ፃምእ ሰላም ንምፍታሕ ብዕቱብ ፃዕሪ ክግበር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ ሓላፍነት ዝጎደሎ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ህወሓት ዝፈፀሞ ሽርሒ ፖለቲካን ኣብቲ ቀጠና ዘላቒ ሰላም ንከይረጋገፅ ከምዝገበረ ተዛሪቦም።

ኣብ ዞባ መተከል ዝፍጠር ተደጋጋሚ ፀገም ፀፅታ ደው ንምባል ፃዕሪ እንተተገበረ እውን፥ ዘጋድዱ ምኽኒያታት ፈሊኻ መፍትሒ ብዘይምምፅኡ እቲ ፀገም ፀፅታ ክሳብ ሐዚ ከምዝቐፀለ ሓቢሮም።

ኣብቲ ዞባ ዝተፈላለዩ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ንነዊሕ ዘበናት ብሓባር ዝነብርሉ ከባቢ ብምዃኑ፥ ናይ ሀዝቢ ሓድነትን ሕብረትን ንምጥንኻር መንግስቲ ብትኹረት ክሰርሕ ከምዝግባእ ገሊፆም።

ብብዙኣለም ቤኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.