Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንዋልያታት ዕውት ውፅኢት ተመኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ንብሃራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትየጵያ (ዋልያታት) ዕውት ውፅኢት ተመኒዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፅ ከምዝበልዎ፥ እቲ ጋንታ ናብ ዋንጫ ኣፍሪካ ናይ ምሕላፍ ዕድሉ ኣስፊሑ ኣሎ።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታትን ጋንታታትን ዝተውፃእፅኡ ተፃወትቲ ኣብ ሓደ ዕላማ ብምእካብ ዘመዝገብዎ ዓወት ልዑል ተምሳሌት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ንቐፃሊ ፀወተኦም ድማ ሰናይ ዕድል ተመኒዮም።

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ማጋዳስካር ኣብ ዝገበሮ ፀወታ  ምፅራይ ዋንጫ ኣፍሪካ  4 ንባዶ ምዕዋቱ ይዝከር።

ቀፃሊ ፀወታ ንምግባር ድማ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኮትዲቫር ኣምሪሑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.