Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝህልዎም ፃንሒት ምስ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴን ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቡት ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ክህሉ ኣብ ዝግበኦ ምትሕብባር ኢንቨስትመንትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባራን ኣድሂቦም ክዛተዩ ኢዮም።

ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጀስቲን ትሩዶ ሰብ ሃፍቲ ካናዳ ሓቢሮምዎም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኸውን፥ ፅባሕ ኣብ ዝካየድ ፎረም ቢዝነስ ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.