ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ሰብኣዊ ረዲኤት ንዘድልዮም ዜጋታት ድጋፍ ንክበፅኽሕ ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣህመድ፥ ብሰንኪ ተፍጥሮን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሰብኣዊ ረዲኤት ንክበፅሖም ኢትዮጵያ ድልውቲ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢኳቶሪያል ጊኒ ከተማ ማላቦ እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ መበል 15 ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ሰብኣዊ ረዲኤትን ቃል ኪዳንን ይሳተፉ ኣለዉ።
ኣብቲ ጉባኤ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መዳርግቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝግበሩ ስብኣዊ ረዲኤት ድጋፍ ምዕባይ ከምዝግበኦም ተዛሪቦም።