ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዘሰናድኡልና ኢፍጣር ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘለዋ ክብሪ ዘርአየ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዘሰናድኡልና መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘለዋ ክብሪር ብተግባር ዘርአየ ኢዩ ክብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ምክያዶም ይፍለጥ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት÷ “ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ፀገምና ዝበፅሐትልና በዓልቲ ውዕለታና ኢያ” ኢሎም።
እቲ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ዘለዋ ክንክን ዝርኢ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም፡፡
ኢትዮጵያ ንኩሎም ስደተኛታት ግቡእ ሓለዋን ክንክንን እናገበረት ምዃና እቶም ስደተኛታት ተዛሪቦም።
ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ጠይባ ሃሰን ኣብቲ እዋን÷ ኢትዮጵያ ልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ሚሊዮን ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት ብምቕባል እናተኣናገደት ምዃነ ተዛሪበን።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ደረጃ ስደተኛታት ብምቕባል ግቡእ ሓለዋን ከለላን ብምግባር ተፀራሒት ከምዝገበረ ገሊፀን።
ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ካብ 12 ሃገራት ዝመፅኡ ስደተኛታት ከምዝተሳተፉ ብምሕባር፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) በቢዓመቱ እዚ ሰናይ ተግባር እናወገኑ ምፅነሖም ግዜኢ ፀብፂቡ።