Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ህንፀት ሸበሌ ሪዞርት ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ካብ ሞንጎ ቁልፊ ስራሕቲ ልምዓት ’ገበታ ንትውልዲ’ ሓደ ዝኾነን ኣብ ክልል ሶማሌ ኣብ ዝርከብን ህንፀት ሸበሌ ሪዞርት ዑደት ገይሮም።
 
ካብ ከተማ ጂግጂጋ 29 ኪሎ ሜትር ርሒቑ 385 ሄክታር ኣብ ዝሽፍን ቦታ ዝህነፅ ኘሮጀክት እንትኸውን÷ ንከተማ ጂግጂጋን ከባቢኣን ናብ መሪሕ መብፅሒ ቱሪዝም ዝልውጥ ሓደ ኣካል ስራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
 
እዚ ስራሕ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ዘላቒ ስራሕ ቱሪዝምን መገዲ ምዕባለ ኢኮኖሚን ኣጉሊሁ ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር የመላኽት፡፡
 
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.