Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃን ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ እዋናዊ ጉዳያት ትኹረት ከምዝገበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ፕሬዚዳንት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሪፐብሊክ ሱዳን ጀነራል ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃንን ጉጅለ ልኡኾምን ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.