Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ዓውዲ ፀፅታ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ብሰላም ንክዛዘም ዓውዲ ፀፅታ ንዝገበሮ ኣስተዋፅኦ አመስጊኖም።

ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ መርሃ ግብሪ ምስጋና ኣካይዱ።

እቲ ናይ ሓባር ግብረ ሓይሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተሳለጠ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ብዘይ ምንም ፀገም ፀፅታ ንክዛዘሙ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ምስጋና ዝቐረበሎም፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ፣ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ፣ ፖሊስ ኦሮሚያ፣ ሓይሊ ሓለዋ ሪፐብሊካንን ብሄራዊ ኣገልግሎት መረጃን ድሕንነትን ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

“ኣካላት ፀፅታ ኢትዮጵያ ንሃገርና ጥራሕ እንተይኮኑስ ንኣፍሪካ ኩርዓት ከምዝኾኑ ብተግባር ብምርግጋፅኩም ብዙሓት መራሕቲ ኣፍሪካ ብኣኹም ኮሪዖም ኢዮም” ኢሎም።

ኣብቲ ስነስርዓት መስጋና ኮሚሽነር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴሪኢ ደመላሽ ገ/ሚካኤል፣ ኣባላት ትካላት ድሕንነትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን መርካቦም ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብ ዘውፅኦ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.