Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግኽምራ ከተማ ሰቆጣ ማእኸላዊ እዝን እቲ ማሕበረሰብን ጎብኒዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግኽምራ ከተማ ሰቆጣ ማእኸላዊ እዝን እቲ ማሕበረሰብን ጎብኒዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ምስ ኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፣ ህዝቢ ኣገው ምርምር ስነ ህንፃን ፍልስፍናን መሰረት ንኢዶም።
እቶም ክብሪታት ናይ ምጥቃመን ፈተናታት ንምስዓርን ሓድነት ምሕላው ዘለዎ ረብሓ ኣረዲኦም።
ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ኣብቲ ከባቢ ዝረኣዩ ኩነታት ጎንፂ ብዝምልከት፥ ሰላም ምንጋስ ወኪል ሰላም ንምዃን ወሲኑ ብቖራፅነት ክብሪታት ሰላም ምህናፅ ትፅቢት ይግበር ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብቲ ዘተ ዳይሬክተር ጀነራል ብሄራዊ መረዳእታን ደሕንነት ኣገልግሎት ተመስገን ጥሩነህን ምክትል ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.