Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ሪዞርት ሃላላ ኬላ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፕሮጀክት ሪዞርት ሃላላ ኬላ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ሓዊሱ፥ ኣፈጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍተቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እቲ ሪዞርት ካብ መንጎ ፕሮጀክት መኣዲ ንሃገር ሓደ እንትኸውን፥ ክልተ ዓመት ኣብ ዘይመልአ ጊዘ ውሽጢ በፅርየት ተሃኒፁ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ።

ኣብ ውሽጢ እቲ ሪዞርት ፕሬዚዳንታዊ መዕረፊ ኣጋይሽ፣ ዘበናዊ መደቀሲ ክፍሊታትን ካልኦት መሀደስቲ ስፍራታትን ዘካተተ ኢዩ ተባሂሉ።

ህንፀት እቲ ሪዞርት ንከባቢ ማሕበረሰብ ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.