Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣6 ሚያዚያ፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዝዘነበ ዝናብ ስዒቡ ብዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ኣብታ ሃገር ከተማ ደርባን ብዝዘነበ ሓያል ዝናብ ኣብቲ ከባቢ ሓደጋ ውሕጅ ኣስዒቡ።

ብምኽኒያት እዚ ልዕሊ 3000 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ጉድኣት ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንፕሬዚዳነት ኣታ ሃገር ሲሪል ራማፎሳን ግዳይ እቲ ሓደጋ ነዝኾኑ ኣፍሪካውያንን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኢትዮጵያ ኣብ ጎኖም ከምአትስለፍ ኣረጋጊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.