Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምጅማር ስራሕ ሓይሊ ግድብ ህዳሰ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምጅማር ስራሕ ፍልፍል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ህዳሰ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር 375 ሜጋ ዋት ዘፈልፍል ግደብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ከይዲ ምፍልፋል ሓይሊ ኤሌክትሪክ እቲ ግድብ ኢዮም ብዕሊ ኣጀሚሮም ዘለዉ፡፡

ስራሕቲ ህንፀቱ ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ዝበፅሐ እቲ ግድብ፥ ሓምለ 2012 ዓ.ም 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ኣብ ቀዳማይ ዙር ዝሓዘ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ 2013 ዓ.ም ድማ 13 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ ክሕዝ ክኢሉ ኢዩ።

ክልተ ተርባይናት እቲ ግድብ ድሕሪ ዕዉት ተኸላ ሎሚ መዓልቲ ፈተነ ምፍልፍል ሓይሊ ጀሚሮም።

ሎሚ መዓልቲ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ፈተነ ምፍልፋል ሓይሊ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሕመድ ተረኺቦም።

ግድብ ህዳሰ 145 ሜትሪክ ብራኸ ዘለዎ እንትኸውን፥ ንጎኒ ድማ 1 ሕን 780 ሜትሮ ንውሓት ኣለዎ።

እቲ ግድብ ዝሕዞ 74 ቢሊየን ሜትር ኪዩብ ማይ እንትሕዝ፥ ሙሉእ ብሙሉእ ድማ ማይ ዝዓርፈሉ ቦታ ድማ 264 ኪሎ ሜትሮ ዝበፅ ኢዩ።

ብሓፈሻ ህንፀት ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ብሙሉእ ሓይሉ ሓይሊ ምፍልፋል እንትጅምር 6 ሺሕን 450 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.