Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክርስቲላ ጆርጄዬቫ ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ክርስቲላ ጆርጄዬቫ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ገሊፆም፡፡

እቲ ዘተ ኣብ ጉዳይ መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፣ ኣድላይነት ምቅላል ዕዳን ካልኦት ዛዕባታትን ዘድሃበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

“ዝሓለፉ ዓወታት ንምሕላውን ዝተጀመርናዮም ለውጢታት ብዝበለፀ ንምድንፋዕን ቆራፅነተይ ይገልፅ” ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.