Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቅድሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ጆሃንስበርግ ዝካየድ ኣኼባ BRICS-Africa Outreach ን BRICS Plus ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ዘቲዮም።
እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊን ሃገራዉን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ኣብ ኩለ መዳይ መድረኽ ዝምድና ንምፍጣርን ዘለዎም ድልየት ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብንዮ ሓበሬታ የረድእ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)÷ ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝገበረቶ ደገፍ ኢትዮጵያ ተመስግና ኢያ ኢሎም።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩለ መዳያዊ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ንሓበራዊ ዕብየትን ልምዓትን ጠንካራ መሰረት ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ሺ ሃገራዊ ልምዓት ኣብ ምምራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ዘለዎም ኣመራርሓ ንኢዶም።
ብናይ ሓባር ስምምዕነት ማዕቐፍ መሰረት ቻይና ንኢትዮጵያ ኣብ 2023/2024 ዓ.ም.ፈ ንዝበፅሐ ክፍሊት ዕዳ እፎይታ ከምእትህብ ፕሬዚዳንት ሺ ሓቢሮም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.