Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ልኡኽ መንግስቲ ኣየር ላንድ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ምክልኻልን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ምስ ዝምራሕ ልኡኽ ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ብምርኻብ ብርክት ኣብ ዝበሉ ዛዕባታት ከልቲኣዊ ዘተ ብምግባረይ ታሕጓስ ይስመዐኒ ኢሎም።

ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ሚኒስትር ምክልኻልን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ዝተመር ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ትማሊ ኣማሲዩ ኣዲስ ኣበባ ምእታዉ ይዝከር።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.